Igrem Aleku歌词由Yonatan Okubeab演唱,出自专辑《Igrem Aleku》,下面是《Igrem Aleku》完整版歌词!
Igrem Aleku歌词完整版
እግረም ኣለኹ ሱቕ ኢለ፣ እድነቕ ኣለኹ ብሂወተይ
እዝክር'ቲ ሕሉፈይ ፣ ሎሚ ብኣሜን ብምንባረይ
እግረም ኣለኹ ብሂወተይ
እዝክር ኣለኹ ሕሉፈይ
እድነቕ ኣለኹ ብኣቦይ
ጽቡቕ ግብሪ ኣነ የብለይን
ካብ ዙፋን ክብርኻ ዘውርድ
ልብስካ ወጺኡ ብምዕራቕካ
ክብረይ መልስካዮ ናተይ ጎይታ
ኣንበርካኒ ኣብ'ቲ ዙፋንካ
ኢየሱሰይ ከፍቅረካ ምክንያት ኣሎኒ
ዝርድኦን ዝፈልጦን ስለ ዘለኒ
መልኽዕ ባርያ ሒዝካ ምስሊ ሰብ:
ርእስካ ኣዋረድካ ክሳብ መስቀል:
ፍቕርካ ዘገርም ዝሞትካለይ:
ምሉእ ነብስካ ወፈኻለይ:
ኣጻብዕ ኣቐሚጠ ኣብ ኣፈይ
ኢየሱሰይ ከፍቅረካ ምክንያት ኣሎኒ
ዝርድኦን ዝፈልጦን ስለ ዘለኒ
ንቀራንዮ ይሓስብ ብናትካ ነገር
ብመንገዲ ጎልጎልታ ክጅምር
እዚ ኲሉስ ንዓይ ይብል'ሞ
ይባርኸካ እንደገና
የመስግነካ ብእንብልታ
ኢየሱሰይ ከፍቅረካ ምክንያት ኣሎኒ
ዝርድኦን ዝፈልጦን ስለ ዘለኒ
ናብ ጎደና ደገ ኣውጽኡኻ
ክፉኣት መላገጺ ገበሩኻ
ንርእሰ መኣዝን መራኸቢ
ኢየሱስይ ክቡር እምኒ ኢኻ
ክርስቶሰይ ክቡር እምኒ ኢኻ
ኢየሱሰይ ከፍቅረካ ምክንያት ኣሎኒ
ዝርድኦን ዝፈልጦን ስለ ዘለኒ